ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ጉባኤ ዘተ ንምፅዋዕ ምድላዉ ይዛዝም ኣሎ- መስፍን ኣርዓያ (ፕ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ ጉባኤ ዘተ ዝዝትየሉ ኣጀንዳታት ቀሪፁ ዕላዊ ንምግባርን እቲ ጉባኤ ንምፅዋዕን ምድላዉ ይዛዝም ኣሎ ኢሎም ዋና ኮሚሽነር መስፍን ኣርዓያ (ፕ/ር)።
እቲ ኮሚሽን፥ “ዝለዓለ ተሳትፎ ትካላት ሃይማኖትን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ኢትዮጵያ ንውፅኢታውነት ሃገራዊ ዘተ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ።
መስፍን ኣርዓያ (ፕ/ር)፥ እቲ ዘተ ኣሳታፊን ሓቛፍን ንምግባር እቲ ኮሚሽን ንተሳተፍቲ ምልላይ ልዑል ጠመተ ሂቡ ክሰርሕ ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም።
ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ትካላት ሃይማኖትን ሲቪል ማሕበረሰብን ሓዊሱ ብዙሓት ትካላትን ማሕበራትን፣ ፍሉጣት ሰባት፣ ፓርቲታት ፖለቲካ ከምኡወን መንግስቲ ብተወከልቶም ምክታትን ምስታፍን ምኽኣሉ ገሊፆም።
ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ እንተይተወሰነ ኣባላት ዲያስፖራ ኣብቲ ከይዲ ክሳተፉ ፃዕሪ ተገይሩ ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።
እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ሐዚ እዋን ጉባኤ ዘተ ዝዝትየሉ ኣጀንዳታት ቀሪፁ ዕላዊ ንምግባርን እቲ ጉባኤ ንምፅዋዕን ምድላዉ ይዛዝም ከምዘሎ መስፍን ኣርዓያ (ፕ/ር) ኣረጋጊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!