ኢትዮጵያን ቻይናን ኣብ ዘፈር ፀፅታ ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘቲየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ድሕንነት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣምባሳደር ዋንግ ሊሲን ተዛቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ግብረ ራዕዲን ካልኦት ዞባዊ ከምኡ እውን ኣህጉራዊ ጉዳያት ፀፅታ ብትኹረት ተመያይጦም፡፡
ከሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ኣብዚ ከምዝበሉዎ÷ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ቻይናን ኢትዮጵያን ናብ ኩለመዳይ ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ምትሕብባር ዓብዩ ኢዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዓለም ለኸ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ (ኮፕ 32)ን ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዓለም ለኸ ትካል ኢንተርፖል ፖሊስ ብዓወት ንምዝዛም ብምትሕብባር ንምስራሕ ከምዝተዛተዩ እውን እቶም ኮሚሽነር ጀነራል ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ዶብ ተሳገርቲ ገበናት ብሓባር ንምክልኻል፣ ኣብ ስግግር ቴክኖሎጂን ህንፀት ሓይሊ ሰብን ብምትሕብባር ንምስራሕ ከምዝተዛተዩ ተሓቢሩ፡፡
ኣምባሳደር ዋንግ ሊሲን÷ ቻይና ንትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ትምህርቲን ስልጠናን ሓይሊ ሰብ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ፣ ሓገዝ ናውቲን ልውውጥ ልምዲን ተሞክሮን እናገበረቶ ትርከብ ሓገዝ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!