43 ዓለም ለኸን ሃገር ለኸን ጉባኤታት ዘተኣናገደ ማእኸል ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን ኣዲስ …
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማእኸል ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን ኣዲስ ክሳብ ሕዚ 43 ዓለም ለኸ፣ ኣህጉራዊን ሃገራዊን ጉባኤታት ብዓወት ኣተኣናጊዱ፡፡
ላዕለዋይ ክኢላ ዕዳጋን መፅናዕቲን እቲ ማእኸል ኣይተ ቴዎድሮስ ገበያው ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ እቲ ማእኸል ንኣዲስ ኣበባ መብፅት ኮንፈረንስ ቱሪዝም ኣብ ምግባር ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ፡፡
ዓበይቲ ጉባዔኤታትን ካልኦት ኩነታትን ብዘተኣማምን ኩነታት ንምትእንጋድ ኣብ ዘኽእል ኩለማዳያዊ ዓቕሚ ከምዝርከብ ኣመልኪቶም፡፡
ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ባህሊ ምቕባል ጋሻ ኢትዮጵያ ብዘንፀባርቕ መልክዑ ቅልጡፍን ግዚኡ ዝጠልቦ ኩለመዳይ ኣገልግሎት ንኽረክብ ብምትእስሳር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ክሳብ ሕዚ ድማ 43 ዓለም ለኸ፣ ኣህጉራዊን ሃገራዊን ጉባኤታት ብዓወት ከተኣናግድ ከምዝኸኣለ ገሊፆም፡፡
እቲ ማእኸል ዓበይቲ ጉባኤታት፣ ኤግዚቢሽናት፣ ዘተ ንግዲ፣ ባህላዊ መርሃ ግብሪታትን ካልኦት ፍፃመታትን ዓለም ለኸ ደረጃኡ ብዝሓለወ መልክዑ ንምትእንጋድ ኩሉ ግዘ ድሉው ኢዩ ኢሎም፡፡
በመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!