ዘፈር ሚዲያ ዓምዲ ብሄራዊ ልምዓት ብምዃኑ ሓገዝ መንግስቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘፈር ሚዲያ ዓምዲ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ብሄራዊ ልምዓት ብምዃኑ ብምግንዛብ ሓገዝ መንግስቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡፡
እቲ ኣገልግሎት ሽልማት ሚዲያ ፓን-ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስላጡ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፤ እቲ ሽልማት ሓበራዊ ኣህጉር ንሓራዊ ዕላማ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ኢሉ፡፡
“ዓባይ ኣፍሪካና ንፈለማ እዋን ታሪኻ ብናይባዕላ ብርዒን ድምፂን ንምፅሓፍ ዝዓደገቶም ሽልማት ሚዲያ ፓን-ኣፍሪካ (AMA) ንምትእንጋድ ዝተመረፀት ኣፍሪካዊት ከተማና ኣዲስ ኣበባ፣ ዝለዓለ ሓላፍነታ ብብቕዓት እናተዋፀአት ትርከብ” ኢሉ።
ኣብ ሞንጎ ርእሰ ከተማታት መላእ ኣፍሪካ፣ ንዓለም ለኸ ዲፕሎማሲን ሓበራዊ ኣህጉራዊ ትካላትን ማእኸል ኣብ ዝኾነት መሬት፣ እዚ ዓብዪ መድረኽ ሚዲያ ምትእንጋድ ዓብዪ ኩርዓት ኢዩ።
መናሃርያ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ማእኸል ዲፕሎማሲን ዓለም ለኸ መድረኻን ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ፤ ን2025 ሽልማት ሚዲያ ኣፍሪካ ንምትእንጋድ ዝተሓረየት ብኸንቱ ኣይኮነን እውን ኢሉ።
እታ ከተማ ኣብ ቀረባ ዓመታት ብዘርአየቶ ቅልጡፍን ኩለመዳይ ዓውዲ ብዘካተተ ጎደና ለውጢ፣ ምስ ዓለም ለኸ ከተማታት ዝወዳደር ዕቤት ምምዝጋባ ነዚ መረፃ ቀንዲ ምኽንያት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ።
ኢትዮጵያ ተምሳሌትና ናፅነት ኣፍሪካን ታሪኻዊ ዓውዲ ፓን-ኣፍሪካኒዝምን ምዃና፣ ብደቂ ዓበይቲ ኣቦታት ናፅነት ኣፍሪካን ብሮድካስቲንግ ሕብረት ኣፍሪካን ብምትሕብባር ዝተሰናደአ ቀዳማይ መርሃ-ግብሪ ንምትእንጋድ ትኽክለኛ መሰረት ኣንቢሩ ኢዩ ኢሉ እቲ መግለፂ።
ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝወገነቶ መሰረተ ልምዓትን ለውጢ ምስሊ ከተማን፣ እታ ከተማ ንመላእ ጋዜጠኛታት ኣፍሪካ፣ ፈፀምቲ ስራሕ ሚዲያን መራሕቲ ፖለቲካን ስሩዕን ምቹውን መእከቢት ገይሩዋ ኢዩ ኢሉ።
እቲ ሽልማት ትኽክለኛ ጠለብ ኣፍሪካ ዝግለፀሉ ንኽኸውን ተሓሲቡ ዝተሰናደአ ከምዝኾነ እውነ ሓቢሩ።
ካብ 40 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 800 ሰብ ሞያ ሚዲያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተሳተፉሉ ከምዝኾኑ ዝገለፀ እቲ ኣገልግሎት፤ ንሚዲያ ኣፍሪካ ዘለዎ ዓለም ለኸ ኣፍልጦን ተስፋ ዘርኢ ኢዩ ዚሉ።
ሽልማት ሚዲያ ኣፍሪካ ኣብ ጋዜጠኝነት፣ ብሮድካስቲንግ፣ ዲጂታል ሚዲያን ህንፀት ያታን ዓወታት ኣፍሪካ ዘርእዩ ተወከልቲ ሚዲያ ብሓድነት ዝሳተፉሉን ዝሽለሙሉን ዓብዪ መድረኽ ኢዩ።
ቀንዲ ዕላማ እዚ መድረኽ እውን ኣፍሪካውያን ብዛዕባ መንነቶምን ብዛዕባ ድሙቅ መንነት ህዝቢታት ኣፍሪካን ባዕሎም ክዝንትዉ ዘኽእሎም ዕድል ምፍጣር ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ኣዲስ ኣበባ ዓለም ለኸ ግደኣን ዲፕሎማሲያዊ ምትእንጋድን ዘለዋ ብቕዓት ብምርግጋፅ፣ ንኣፍሪካ ዝለዓለ ግደ ዘጉልሁ መደባት ካብ ምድጋፍ ንደሓር ኣይትብልን።
ዘፈር ሚዲያ ዓምዲ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ብሄራዊ ልምዓትን ብምዃኑ ብምግንዛብ ሓገዝ መንግስቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሉ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!