እቲ ስምምዕነት ሰላም ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ንኽሳለጥ ምቹው ኩነታት ዝፈጥር ኢዩ – ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)እቲ ስምምዕነት ሰላም ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ንኽሳለጥ ምቹው ኩነታት ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ታጋይ ታደለ፡፡
ትማሊ ኣብ ሞንጎ ምግስቲ ክልል ኣምሓራን ህዝባዊ ትካል ኣምሓራ ፋኖ (ኣፋህድ)ን ዝተፈረመ ስምምዕነት ዘላቒ ሰላም ኣመልኪቶም እቶም ዋና ፀሓፊ ከምዝበሉዎ፤ እቲ ስምምዕነት ንህዝቢ እቲ ክልል ዘላቒ ሰላምን እፎይታን ዘምፅእ ኢዩ።
ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ጎንፂታት ጠጠው ንኽብሉን ፀገማት ብዘተ ንኽፍትሑ ፃዕሪ እናገበረ ምፅንሑ ብመዝኽኻር፤ ዝተፈረመ ስምምነዕት ህዝቢ ብሰላም ወፂኢ ንኸኣቱን ንኽሰርሕን ዝገብር ኢዩ ኢሎም።
እቲ ስምምነዕት ፀገማት ብዘተ ናይ ምፍታሕ ረብሓ ዘርአየ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!