Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮ ቴሌኮምን ካምቴልን ኣብ ካሜሩን ስግግር ዲጂታል ንምስላጥ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ ቴሌኮምን ቴሌኮሙኒኬሽን ካሜሩን (ካምቴል)ንኣብ ካሜሩን ስግግር ዲጂታል ንምስላጥ ዘኽእል ስምምነዕት ተፈራሪሞም፡፡

ክልቲኦም ትካልት ኣብ ካሜሩን ከተማ ያውንዴ ዝፈራረሙዎ ስምምነዕት ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ክልቲአን ሃገራት ንምቅልጣፍ ዘኽእል ኩንትራት ማስተር ሰርቪስ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሓለፍቲ ስራሕ ካምቴል ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ህንፀት “ዲጂታል ኢትዮጵያ” ዘርአዮ ዕዙዝ ኣመራርሓ ቴክኖሎጂ ምስተዓዘቡ ተሞክሮ ናብ ካሜሩን ንምውሳድ ብዘለዎም ድሌት ኢዩ እቲ ስምምነት ዝተፈረመ፡፡

በዚ መሰረት ክልቲኦም ኦፕሬተራት ኣብ ካሜሩን ተበፃሕነት ፋይናንስ ዘረጋግፅ ስርዓት ጂታል ክፍሊት ንምስፍሕፋሕን ብሄራዊ ክላውድ ብምህናፅ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎታት ዲጂታላይዝ ንምግባር ክሰርሑ ኢዮም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ስምምነዕት ንዲጂታል ኢኮኖሚ ካሜሩን ቁልፊ ዝኾኑ ትካላትን ቢዝነሳትን ዘቀላጥፉ ዲጂታል መፍትሒታት፣ ተወሳኺ እታወትን ኣገልግሎታት ኢንተርኮኔክት ብሓባር ንምትግባር ከምዘኽእል ኢትዮ ቴሌኮም ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊፁ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.