Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ 106 ናይ ቀበሌ ኣባይቲ ንዓቕመ ደካማ ነበርቲ ኣረኪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክ/ከተማ ልደታ ጠዋሪን ደጋፊን ንዘይብሎም ዓቕመ ደካማታት፣ ንጉዱኣት ኣካል፣ ንሰብ ውዕለታ ሃገርን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ንዝርከቡን ነበርቲ እታ ከተማ 106 ናይ ቀበሌ ኣባይቲ ኣረኪበን።

እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን÷ ምስ ህዝቢ ብዝተገበረ ዘተ ዝተውሃቡናን ጥቁምታታት መሰረት ብምግባርን ብምፅራይን ነበርቲ ፍትሓዊ ተረባሕነት ክነረጋግፅ ክኢልና ኢለን፡፡

ቅድሚያ ክወሃቦም ዝግብኡ ዝተረስዑ፣ ጠዋሪን ደጋፊ ዘይብሎም ዓቕመ ደካማ ወገናት ንብዓት ምሕባስን ካብ ዝነበሩዎ ዝኸፍአ ህይወትን ብምድሓን ፅባሕ ብተስፋ ንኽሪኡ ዘኽእል ስራሕ ከምዝተወገነ ተዛሪበን።

ብፍላይ ካብ ክፍለ ከተማ ኣራዳ ወሰን ሩባ ቁርጡሚ ዝተልዓሉ ብ3ይ ወገን ክትዕ ምኽንያት እናተንገላትዑ ዝፀንሑ ነበርቲ ሎሚ እቲ ፀገም ተፈቲሑ መንበሪ ገዛ ብምርካቦም ከምዝተሓጎሳ ገሊፀን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.