Fana: At a Speed of Life!

ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ ማንነት ኢኮኖሚ ንምህናፅ ልዑል ዓቕሚ ዝፈጥር ኢዩ- ኣይተ ዮዳሄ ኣርዓያ ስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ ማንነት ኢኮኖሚ ንምህናፅ ልዑል ዓቕሚ ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም ዋና ዳይሬክተር ብሄራዊ መለለዪ ማንነት ኣይተ ዮዳሄ ኣርዓያ ስላሴ።

ፋይዳ ንመርሃ ግብሪ መጀመሪ ጎስጓስ ደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣይተ ዮዳሄ፥ ስርዓት ዲጂታል መለለዪ ማንነት ተበፃሒ ናይ ምዃንን ናይ ምፍላጥን መሰል ዘረጋግፅ ብምዃኑ ደቂ ኣኒስቲዮ እውን መሰሎም ነክጥቀሙ ዕድል ዝህብ ኢዩ ኢሎም።

ፋይዳ መለለዪ ማንነት ዲጂታል ብዝኾነ መገዲ ኣገልግሎታት ንምርካብ፣ ዕዳጋ ንምክያድን ዝተፈላለዩ ተግባራትን ንምክያድ ምቹእ ኩነታት ከምዝፈጥር ኣረዲኦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሂክማ ኬይረዲን ብግደአን፥ ስርዓት ዲጂታል መለለዪ ማነነት ንምርግጋፅ ኢኮኖሚያዊ መሰል ደቂ ኣኒስቲዮ ልዑል ግደ ዘበርክት ኢዩ ኢለን።

ብወንድሙ ኣዱኛ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.