ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንሓረስቶት ግልግሎት ልቓሕ ሕርሻ አጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንኣናእሽቱ ሓረስቶትን ዝተወደቡን ግልጋሎት ልቓሕ ሕርሻ ሎሚ አጀሚሩ።
ኣብቲ ናይ ምጅማር መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ዲኤታ መለስ መኮንን (ዶ/ር)፣ ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣቤ ሳኖንን ከመኡ እውን ተወካሊን ም/ፕሬዚዳንት ግልጋሎት ኤክስኪውቲቭ ኮርፖሬሽን ኣይተ ኤፍሬም መኩርያን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ትካላት ተረኺቦም።
ኣይተ ኤፍረም ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ ባንኪ ንግዲ ሓደሽቲ ግልጋሎት ብምትግባር ስሉጥን ዘተኣማምንን ግልጋሎት ይህብ ኣሎ።
ብተወሳኺ ተበፃሕነት ግልጋሎት ፋይናንስ ብዝበለፀ ንኹሉ ዝሓቁፍን ብትኹት እናተሰርሐ ምዃኑ ብምሕባር፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ዘፈር ሕርሻ ዝወሃብ ኣገልግሎት ልቓሕ ንምስፋሕን ንምጥንኻርን ትኹረት ተዋሂቡ እዩ ኢሎም።
እቲ ባንኪ ንጥፈታት ሕርሻ ንምዕባይ ንሓረስቶት ፍሉይ ኣገልግሎት ልቓሕ ምጅማሩ ዕብየት ኢኮኖሚ ንምዕባይ ዝሕግዝ ምዃኑ ሓቢሮም።
በቲ ግልጋሎት ሕርሻ መሬት ዘለዎም፣ ኩታ ገጠም ብጉጅለ ዝተወደበ፣ ኣብ ባንኪ ን6 ወርሒን ልዕሊኡን ዝዓቆሩ፣ ዘራእቲ፣ ኣሕምልትን ፍረታትን፣ ፀባን ውፅኢት ፀባን፣ ከምኡ እውን ኣብ ምህርቲ እንስሳታት ዝተዋፈሩ ሓረስቶት እቲ ግልጋሎት ተረባሕቲ ክኾኑ እዮም።
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!