Fana: At a Speed of Life!

ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ትካላት ትግበራ መካተቲ ሰላም ኣካል ትልመን ክገብራ ይግባእ – ሚኒስቴር ሰላም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ሰላም መሃመድ እድሪስ ዘተኣማምንን ዘላቒ ሰላምን ንምዕሳል ትካላት ትግበራ መካተቲ ሰላም ኣካል ትልመን ክገብራ ይግባእ ኢሎም፡፡

ሚኒስቴር ሰላም ምስ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምትሕብባር ኣቢያተ ምኽሪ ፌደራልን ክልልን ኣብ ምውፃእ ሕጊ፣ ኣብ ክትትልን ቁፅፅርን ስራሕቶም ምትጋበር መካተቲ ሰላም ጋህዲ ምግባር ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት ዘድሀበ መድረኽ ዘተ ኣሰናዲኡ።

ሚኒስትር ሰላም መሃመድ እድሪስ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ካብ ቀበሌ ክሳብ ፌደራል ዘለዉ ውዳበታት መንግስቲ ኣገልግሎት ብመሃብ ጠለብ ህዝቢን ተረባሕነትን መሰረት ክገብሩ ኣለዎም፡፡

ሰላም ብሓደ ትካል ጥራሕ ዝመፅእ ዘይኮነስ ብኹሎም ውልቀሰባት፣ ትካላትን ውዳበታትን ዘሎ ዋና ጉዳይ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት፣ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ከምኡ እውን ምስ ሕብረተሰብ ብዘሎ ምትእስሳር ዝርከብ ውፅኢት ኢዩ ኢሎም፡፡

ትካላት ሰላምን ሓድነትን ዘጠናኽሩ ተግባራት ኣብ ትልሞም ምክታት፣ ፀብፃባት ኣፈፃፅማ ስራሕ ንሰላም ኣብ ግምት ዘእተዉ ንኽኾኑ ምግባርን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ንህንፀት ሰላም ብዝሕግዝ መልክዑ ምሕንፃፅ ይግባእ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.