ጃፓን ኣብ ዓለም ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ኒክሌር ዳግማይ ስራሕ ክተጅምር እያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ጃፓን ኣብ ዓለም ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ኒክሌር ድሕሪ 15 ዓመታት ዳግማይ ስራሕ ክተጅምር እያ፡፡
ጃፓን ድሕሪ እቲ ኣብ 2011 ኣብ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬትን ሓደጋ ሱናሚን ኣብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኒዩክለር ፉኩሽማ ምብፅሑ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ መብላዕልዒ ኒውክሌር ተዓፅዮም ፀንሖም፡፡
በዙይ እውን ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ነዳዲ ዘለዋ ፅግዕተኛነት ንምንካይ ዝተዓፀው ትካላት ኑክሌር ዳግማይ ናይ ምጅማር ስራሕ እናሰርሐት እንትትኾን ክሳብ ሕዚ 14 መብላዕልዒ ትካላት ኒዩክለር ዳግማይ ጀሚራ ኣላ።
ቤት ምኽሪ እታ ግዝኣት ሎሚ ኣብ ፕረፈክቸር ኒጋታ ዝርከብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካሺዋዛኪ ካሪዋ ዳግማይ ክጅምር ምዃኑ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!