ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው መራኸብቲ ሓፋሽ ልዑል ሓላፍነት ኣለወን
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው መራኸብቲ ሓፋሽ ልዑል ሓላፍነት ኣለወን ኢሎም ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ።
መበል 48 መድረኽ ዘተ ጉሚ በለል “ብሄራዊ ራብሓን መራኸብቲ ሓፋሽን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።
ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ፥ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላውን ኣብ መድረኽ ዓለምን ኣፍሪካን ዘለዋ ዘህልዋ ፅዕንቶን ክብ ንምባል መራኸብቲ ሓፋሽ ልዑል ሓላፍነት ኣለወን ኢሎም።
ብተወሳኺ እወንታዊ ፅባቐ ኢትዮጵያ ብምህናፅን ንሰላምን ምርግጋዕን ቀዳምነት ብምሃብን ግደአን ክዋፃኣ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ብሚልኪያስ ኣዱኛ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!