Fana: At a Speed of Life!

ኣርሰናል ምስ ኣስቶን ቪላ … ሃንቀውታ ዝግበረሉ ፀወታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 19 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ሽዱሽተ ፀወታታት ክግበሩ ኢዮም፡፡

ኣስቶንቪላ ኣብ ኩሎም ዝሓለፉ 11 ፀወታታት ክትዕወት ምኽኣላ ስዒቡ ንመሪሕ እቲ ሊግ ኣርሰናል ከባድ ተጋጣሚት ከምትኸውን ትፅቢት ይግበር፡፡

ክልቲአን ጋንታታት ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ሃብ ዝገበረኦም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት ኣስቶን ቪላ ሰለስረ ግዘ ብምስዓር ፀብለልታ ዘለዋ እንትትከውን፥ ኣርሰናል ሓንቲ ስዒራ ኣብ ሓደ ፀወታ ድማ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡

ናይ ክልቲአን ጋንታታት ፀወታ ምሸት ሰዓት 5፡15 ኣብ ስታዲየም ኢምሬትስ ክካየድ ኢዩ፡፡

ብተመሳሳሊ ሰዓት ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ወልቭስ ኣብ ኦልድትራፎርድ ክተተኣናግድ ኢያ፡፡

ኣብ ካልኦት ፀወታታት በርንሌ ምስ ኒውካስል፣ ቼልሲ ምስ ቦርንማውዝ፣ ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ኤቨርተን፣ ዌስትሃም ዩናይትድ ምስ ብራይተን ምሸት ሰዓት 4፡30 ዝካየዱ ፀወታታት ኢዮም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.