ብፕላን ዝተሰርሑ ማእኸላት ገፀር ዓምዲታት ዘላቒ ልምዓት ከተማ ኢዮም- ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብፕላን ዝተሰርሑ ማእኸላት ገፀር ዓምዲታት ዘላቒ ልምዓት ከተማ ኢዮም ኢለን ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ።
መድረኽ ጎስጓስ ዝተዋደደ ልምዓት ማእኸላት ገፀር ኣብ ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ ከተማ ሆሳኢና ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ተረኺበን መደረ ዘስመዓ እተን ሚኒስትር፥ ብፕላን ዝተሰርሑ ማእኸላት ገፀር ዓምዲታት ዘላቒ ልምዓት ከተማ ኢዮም ኢለን።
ህንፀት መገዲ ቀረብ ኣባይቲ ገፀር ኣብ ምስላጥ፣ ዓቕሚ ሞያተኛታት ኣብ ምህናፅን ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ኣብ ምፍጣርን ትራንስፎርሜሽን ገፀር ንምስላጥ ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።
መንግስቲ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ረብሕኡ ዝዓዘዘን ካብ መንጎ ሰብኣዊ መሰላት ሓደ ዝኾነን መንበሪ ኣባይቲ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ተበፃሒ ንምግባር ፃዕሪታት ክገብር ከምዝፀንሐ ገሊፀን።
ኣብ ኢትዮጵያ ጉዳይ ኣባይቲ ገፀር እኹል ጠመተ ዝተውሃቦ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፥ ኣብ መልላእ ኢትዮጵያ ዝህነፁ መሰረተ ልምዓታት መዕባለ ኢትዮጵያ ከረጋግፁ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።
ብቤዛዊት ከበደ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!