ዲጂታል ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንምዕዋት…
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዲጂታል ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ምቅልጣፍ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንምዕዋት ዕዙዝ ግደ ኣለዎ ኢለን ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ሰላማዊት ዳዊት፡፡
እተን ዋና ዳይሬክተር ከምዝበለኦ÷ ዲጂታል ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ጉዕዞ ለውጢ ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍን ዜጋታት ብዝለዓለ ደረጃ ንምግልጋል ዝግበር ፃዕሪ ዝግሕግዝ ኢዩ፡፡
ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ሓበሬታታት ንህንፀት ስርዓት ዲጂታል መለለዪ መንነት ፖሊሲ ንምሕንፃፅን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርክቱ እውን ኣብሪሀን፡፡
እቲ ስርዓት ምዝገባ ብግቡእ ንምውፃእን ዝተጀመሩ ጥንኩራት ስራሕቲ ክቕፅሉ ንምግባርን መዳርግቲ ኣካላት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ተዛሪበን፡፡
ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ስራሕ ብስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ብምሕጋዝ ብዓወት ንምዝዛም ብምውዳድ ምስራሕ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ኣፅንኦት ሂበን፡፡
ብጥንኩር ስርዓት ዲጂታላይዜሽን ዝተደገፈ ስርዓት ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ምዝርጋሕ ንምምሕዳር፣ ንፍትሒ፣ ንትልሚን ልምዓትን ዘይትካእ ግደ ኣለዎ ኢለን፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!