ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ብምኽኒያት ሕልፈት ህይወት ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብምኽኒያት ሕልፈት ህይወት ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ሃንደበት ብምዕራፉ ሓዘን ተሰሚዑኒ ኢሎም።
ነፃነት ብፍላይ ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝተሰናደአ ሓዱሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ናይ መቐበሊ መርሃ ግብሪ ዝነበሮ ኣስተዋፅኦ ኩሉ ግዘ እዝክሮ ክብሉ ገሊፆም።
ኩላህና ሓዱሽ ዓመት ብታሕጓስ ንክንቅበል ገይሩ ነይሩ፤ ንስድርኡን ፈተውቱን ምፅንዕናዕ እምነ ክብሉ ገሊፆም።