Fana: At a Speed of Life!

ምንቅስቓስ ናይ ውሽጢን ወፃኢን ሓይሊታት ስግኣት ዝምክቱ ምውፋራት ተወጊኖም – ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ምንቅስቓስ ናይ ውሽጢን ወፃኢን ሓይሊታት ስግኣት ዝምክቱ ምውፋራት ተወጊኖም ኢሉ፡፡

ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ገምጋን ኣፈፃፅማ ቀዳማይ መንፈቕ ዓመት በጀት ዓመት 2018  ስትራቴጂክ ኣመራርሓ እቲ ኣገልግሎት ቤት ዕዮ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣካይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ሃገራዊ ኩነታት ፀፅታ ናይ ምፅናዕ፣ ምረቓ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ሓዊሱ ናይ ኣደባባይ ክብረ በዓላት ከምኡ እውን ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻኻ ፍፃመታት ብሰላም ንኽዛዘሙ ምግባር፣ ትካላዊን ኣጀንዳታት ሪፎም ምድህሳስን ንሓፈሻዊ መረፃ ንምዕዋት ዝሕግዙ ምድላዋት ብዝለዓለ ደረጃ ከምዝተፈፀሙ ተሓቢሩ፡፡

ምስ ካልኦት ትካላት ፀፅታ ብምዃን ኣብ ዝተወገኑ ምውፋራት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ስግኣት ኣብ ምድኻም መሰረታዊ ለውጢ ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ፡፡

ፃውዒት ሰላም ዝተቐበሉ ሓይሊታት ዕጥቂ እናፈትሑ ናብ ሕብረተሰቦም ንኽፅምበሩ ዝሕግዙ ምውፋራት ከምዝተሳለጡ ተሓሩ፡፡

ብናይ ወፃኢ ሃገር ሓሬታ ብዝተወገነ ምውፋር ብዝተሰርሑ መሰረታዊ ስራሕቲ ለውጢ ኣብ ሃገራዊ ረብሓን ድሕንነትን ዝፍነዉ ስግኣታት ምምካትን ፅቡቕ ኣጋጣሚታት ንጥቃም ከምዝተኽኣሉ ተመልኪቱ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.