ንዘላቒ ዕብየት ምልማዕ ሃፍቲ ማዕድናትን ነዳድን…
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ግቡእ ልምዓት ሃፍቲ ማዕድናትን ነዳድን ንዘላቒ ዕብየት ወሳኒ ምዃኑ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ይገልፁ።
ምስ ፋና ሚዲያን ኮርፖሬሽንን ፃንሒት ዝገበሩ ዩኒቨርስቲ ወላይታ ሶዶ ኣብ ክፍሊ ፊዚክስ መምህር ጌትነት ኣስራት (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ሃፍቲ መዓድንን ነዳን ብመፅናዕቲን ሳይንሳዊ ብዝኾነ መገዲን ፈሊካ ምፍላጥ እታ ሃገር ንዝጀመረቶ ዕብየት ልዑል ረብሓ ኣለዎ፡፡
ምስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምትሕብባር ዝተጀመሩ ስራሕቲታት ሙሁራን ካብ ምስታፍ ብዝሓለፈ ብፍልጠትን ምርምርን ዝተደገፈ ምግባር የኽእል ኢሎም፡፡
ኣብቲ ዓውዲ ብመፅናዕቲን ምርምርን ዝተሓገዘ ንምግባር ካብ ቀረባ እዋን ንነዘ ምስ ትካላት ላዕለዎት ትምህርቲ ዝተጀመሩ ዝበረታትዑ እዩም ዝበሉ ድማ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ክፍሊ ምርምርን ልምዓትን ማዕድን መምህርን ተመራማሪን ኣሸናፊ ንጉሴ እዮም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!