Fana: At a Speed of Life!

ማንቼስተር ዩናይትድ ንኮቢ ማይኑ ሓዱሽ ውዕል ንምቕራብ ድልዊ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ማንቼስተር ዩናይትድ ንኮቢ ማይኑ ንብዙሕ ዓማውቲ ኣብቲ ጋንታ ንምፅናሕ ዘኽእል ሓዱሽ ውዕል ንምቕራብ ድልዊ ከምዝኾነ ገሊፁ።

ወዲ 20 ዓመት እንግሊዛዊ ኣብ 2023 ዓ.ም.ፈ ካብ ኣካዳሚ ማንቼስተር ዩናይትድ ናብ ዓብዪ ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ድሕሪ ምዕባዩ ኣብ ዝገበሮም 87 ፀወታታት 7 ሸቶታት ኣቑፂሩ ኢዩ።

ይኹን እንበር ሎሚ ዘበን እኹል ናይ ምስላፍ ዕድል ዘይምርካቡ ስዒቡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝግበር ዝውውር ካብቲ ጋንታ ከምዝለቅቕ ብስፍሓት ክዝረብ ፀኒሑ።

ብጊዚያዊ ኣሰልጣንነት  ናብቲ ጋንታ ዝመፅኡ ማይክል ካሪክ እቲ ተፃዋታይ ብቀዋሚነት ናይ ምጥቃም ድልየት ከምዘለዎም ይግለፅ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ ማንቼስተር ዩናይትድ ንኮቢ ማይኑ ሓዱሽ ውዕል ንምቕራብ ድልዕየት ከምዘለዎን ምስ ወኪላት እቲ ተፃዋታይ ቀዳማይ ብርኪ ዝርርብ ምግባሩን ስካይ ስፖርት ፀብፂቡ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.