ድርድር አንትካየድ ክሕሰብ ዝግበኦ ንሃገር ዘለዎ ረብሓ ኢዩ- ያዕቆብ ኣርሳኖ (ፕ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ድርድር አንትካየድ ክሕሰብ ዝግበኦ ንሃገር ዘለዎ ረብሓ ኢዩ ኢሎም ተመራማሪ ሃይድሮ ፖለቲክስን ተደራዳሪ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ያዕቆብ ኣርሳኖ (ፕ/ር)።
ያዕቆብ ኣርሳኖ (ፕ/ር) ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ብሄራዊ ረብሓ ሃገር ንምሕላው ኣብ ዝግበር ድርድር ዝለዓሉ ሓሳባት ምስ ዘላቒ ረብሓ ሃገር ብምምዝዛን ምቕያስ ቀንዲ ጉዳይ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ እዋን ድርድር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታን ክሕለፍ ዘይኽእልን ቀይሕ መስመር ተቐሚጡ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ብመሰረት እዚ ኣብ እዋን እቲ ድርድር ኢትየጵያ ንዝኾነ ይኹን ሓሳብ እንተተላዒሉ ካብዚ ንታሕቲ ኣይወርድን እትብለሉ ናይ መወዳእታ ሓሳብን ሂብካ ምቕባል ብድርድር ዝተለመደ ኣሰራርሓ እንተኾነ እወን ክሕለፍ ዘይግበኦ ዘይትንከፍ መስመር ኣንቢራ እናተደራደረት ከምዝነበረት ገሊፆም።
ስለዝኾነ ናይ ሐዚ ትውልዲ ካብኣቦታቱ ዝወረሶ ከቐፅል ጥራሕ ዘይኮነስ ምስማርን ንቐፃሊ ትውልዲ ኣጠዓዒሙ ምፅናሕን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።
ሎሚ ዝተበላሸወ ጉዳይ ብዘላቕነት ሕማቕ ስለ ዝኸውን ዘላቒ ብዝኾነ መልክዑ ክኸውን ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
ብብርሃኑ ኣበራ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!