ንዕዳጋ ወፃኢ ካብ ዝቐረቡ ፍሪያታት ልዕሊ ፍርቂ ዝኸውን ኣብ ፍሉይ ኢኮኖሚ ዞባታት ዝፈረየ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመት ንዕዳጋ ወፃኢ ካብ ዝቐረቡ ፍሪያታት ልዕሊ ፍርቂ ዝኸውን ኣብ ፍሉይ ኢኮኖሚ ዞባታት ዝፈረየ ኢዩ ኢሉ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ።
ኣብቲ ኮርፖሬሽን ሓላፊ መምርሒ ኮሚኒኬሽን ኮርፖሬት ኣይተ ጳውሎስ በለጠ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ ኣብዚ ባጀት ዓመት ቀዳማይ ፈረቓ ኢትዮጵያ 204 ሚሊየን ዶላር ዋጋ ዘለዎም ፍሪያታት ንዕዳጋ ወፃኢ ኣቕሪባ ኢያ።
እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዘመሓድሮም ፍሉያት ዞባታት ኢኮኖሚ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ዘለዉ ሰብ ሃፍቲ ኣፍሪዮም ንዕዳጋ ወፃኢ ካብ ዘቕረብዎ ፍሪያት ልዕሊ 112 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ሓቢሮም።
እዚ ድማ ናይ ሃገራዊ ኣፈፃፅማ 55 ሚኢታዊ ከምዝሽፍን ገሊፆም።
ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ 13 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ዝግመት ፍሪያት እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዘመሓድሮም ፍሉያት ዞባታት ኢኮኖሚን ፓርክታትን ዘለዉ ሰብ ሃፍቲ ኣፍሪዮም ንዕዳጋ ውሽጢ ዓዲ ከምዘቕረቡ ተዛሪቦም።
ብኣድማሱ ኣራጋው