Fana: At a Speed of Life!

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 320 ቢሊየን ብር ልቓሕ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘበኑ ዝጠልቦም ቴክኖሎጂታት ብምትግባር ንዓማዊሉ ቅልጡፍን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት እናሃብኩ ይርከብ ኢሉ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ቅነ ኣገልግሎት ዓማዊል ኣካይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ገንዘብን ኣካቢ ዳይሬክተራት ቦርድ እቲ ባንኪን ኣሕመድ ሺዴ፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ባንኪ፣ ሓለፍቲ ዝተፈላለዩ ትካላትን ሰራሕተኛታትን ተረኺቦም።

ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሓለፉ ዓመታት ዝተግበረቶ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ጭቡጥ ውፅኢት ኣመዝጊቡ።

ኣብቲ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ዝተሓሰ 10 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምምዝጋብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ኣብሪሆም።

ባንኪ ንግዲ ንምንቅስቓስ ዓውዲ ፋይናንስ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ብምሕባር፥ እዚ ብምርዳእ እቲ ባንኪ ንምጥንኻር ብትኹረት ከምዝተሰርሐ ተዛሪቦም።

ተወካሊ ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪን ኤክስኪዩቲቭ ምክትል ፕሬዚዳንት ኮርፖሬት ኣገልግሎታትን ኤፍሬም መኩሪያ ብግደኦም፥ ዓማዊል ተኮር ስርዓት ብምትግባር ዝወሃብ ኣገልግሎት ንምቅልጣፍ እናተሰራሐ ይርከብ ኢሎም።

እቲ ባንኪ ልዕሊ 45 ሚሊየን ዓማዊል ብምፍራይ ልዑል ባህሊ ምዕቛር ብምስፋሕ ብዙሓት ፃዕሪታት ንኸፍርዩ ናይ ባዕሉ ግደ ተዋፂኡ ኢሎም።

ኣብ መጀመርቲ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 320 ቢሊየን ብር ልቓሕ ከምዝሃበ ኣመልኪቶም።

እቲ ባንኪ ኣብቲ መንፈቕ ዓመት ዘይተፃረየ 36 ነጥቢ 19 ቢሊየን ብር ትርፊ ከመዝግብ ከምዝኸኣለ ኣይተ ኤፍሬም ኣብሪሆም።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጂታል ቴክኖሎጂ ብምትግባር ካብ ዝተኣናገዱ ሓፈሻዊ ዕድጊታት ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ዝኾኑ ብዲጂታል ኣማራፂታት ከምዝውገኑ ተሓቢሩ፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.