Fana: At a Speed of Life!

ናይ መወዳእታ ፀወታታት ምድብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ …

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣርሰናልን ባየርንሙኒክን ኣቐዲመን ናብ ቀፃሊ ዙር ምሕላፈን ኣብ ዘረጋገፃሉ ናይ መወዳእታ ፀወታታት ምድብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ክካየዱ ኢዮም፡፡

ካይራት ኣልማቲ፣ ስላቪያ ፕራግ፣ ቪያሪያልን ኣይንትራፍራንክፈርትን ካብቲ ውድድር ዝተሰናበታ እንትኾና፤ ዝተረፋ 30 ጋንታታት ናብ 16 ንምሕላፍ ሎሚ ምሸት ክነሓንሓ ኢየን፡፡

ካብ 1ይ ክሳብ 8ይ ደረጃ ብመሓዝ ዝዛዝማ ብቐጥታ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዝፅምበራ እንትኾና ካብ 9ይ ክሳብ 24ን ደረጃ ዝረኽባ ድማ ሕድሕድ ፀወታ ኣውዲቕካ ብምክያድ ናብ 16 ንምፅምባር ክፃወታ ኢየን።

ኣርሰናልን ባየርንሙኒክን 1ይን 2ይን ደረጃ ብመሓዝ ናእ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ኣቐዲመን ዘረጋገፃ ጋንታታት እንትኾና ካብ 3ይ ክሳብ 32ን ደረጃ ዝተቐመጣ ጋንታታ ግን በቐጥታ ምሕላፈንን ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ምብቀዐንን ንምርግጋፅ ናይ መወዳእታ ንሕንሕ ሎሚ መዓልቲ ክገብራ ኢየን፡፡

ኩሎም ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ሎሚ ምሸት ብተመሳሳሊ ሰዓት 5 ዝካየዱ እንትኾኑ፤ ሸውዓቲኦም ፀወታታት ዝተዓወታታት ዝሰዓረት ኣርሰናል ምንም ፀወታ ንዘይተዓወተት ካዛኪስታናዊት ጋንታ ካይራት ኣልማቲ ኣብ ኤምሬትስ ክተተኣናግድ ኢያ።

ኣርሰናል ሎሚ መዓልቲ ክትዕወት እንተኽኢላ በቲ ሓዱሽ ቅርፂ ፀወታ ኩሎም ናይ ምድብ ፀወታታት ዝሰዓረት ፈላመይቲ ጋንታ ክትከውን ኢያ፡፡

ፒኤስጂ ምስ ኒውካስትል ዩናይትድ፣ ሪያል ማድሪድ ምስ ቤኔፊካ፣ ናፖሊ ምስ ቼልሲ፣ ሊቨርፑል ምስ ካራባግ፣ ባየርንሙኒክ ምስ ፒኤስቪ፣ ማንችስተር ሲቲ ምስ ጋላታሳራይ፣ ኢንተር ሚላን ምስ ቦርሲያ ዶርትሙንድ፣ ጁቬንቱስ ምስ ሞናኮ፣ ባርሴሎና ምስ ኮፐንሃገን ከምኡ እውን ኣይንትራ ፍራንክፈርት ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር ምሽት ካብ ዝካየዱ ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ይርከቡዎም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.