Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሰብ ትኹረት ዝገበረ ዘላቒ ስራሕቲ ልምዓት ንምርግጋፅ ብቆራፅነት ክሰርሕ እዩ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝተጀመሩ ሰብ ትኹረት ዝገበረ ዘላቒ ስራሕቲ ልምዓት ንምርግጋፅ ብቆራፅነት ክሰርሕ እዩ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
እተን ከንቲባ ብምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 2018 በጀት ዓመት ናይ 6 ኣዋርሕ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ብቐፃሊ ትኹረት ኣብ ዝደልዩ ጉዳያት ዙርያ መብራህርሂ ሂበን፡፡
ኣብ መብርሂኣን ኣብ ዝኾነ ኩነታት ህዝቢ ብግቡእን ኣብ ምግልጋል ዘኽእሉ ቀፃሊነት ዘለዎ ጥንኹር ትካል ናይ ምህናፅ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣገንዚበን፡፡
እቶት ኣብ ከይዲ ምትእኽኻብ ብዝበለፀ ኣብ ምዝማን እታ ከተማ ተፈልፍሎ ዓቕሚ እቶት ብግቡእ ብምጥቓም ብትኹረትን ብምውዳድን ከምትሰርሕ ኣመላኺተን፡፡
ኣብ ስርዓት ንግዲ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ዝዋፈሩ ነጋዶ ብጥብቂ ብምቁፅፃር ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ሓቢረን።
ኣወሃህባ ግልጋሎት ብዝበለፀ ስሉጥን ውፅኢታውን ንምግባር ተጀሚሩ ዘሎ ግለጋሎት መሶብ ሓደ ማእኸል ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪበን፡፡
ኣብ መንጎ ትካላት ዘሎ ምትእስሳር ብምትሕብባር ንምጥንኻር ምስራሕ ይግባእ ዝበላ እተን ከንቲባ፤ሓበራዊ ዕላማ ንምዕዋት ብምትሕብባርን ምውዳድን ምዃኑ ገሊፀን፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.