ኣብ ክልል ትግራይ ምድላዋት መረፃ ፓርታት ፖለቲካ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቐሱ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንምስታፍ ናይ ቅድመ ምድላዋት ስራሕቲ ኣብ ምኽያድ ንርከብ ኢሎም፡፡
ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ዲሞክራስያዊ ስምረት ትግራይ ኣልማዝ ገ/ፃድቅ፤ ኣብ ክልል ትግራይ 17 ፓርቲታት ፖለቲካ ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኺቦም ምጥያሾም ኣረዲኤን፡፡
እዚ ድማ መናእሰይን ህዝብን እቲ ክልል ሓዱሽ ኣተሓሳስባን ሓዱሽ ኣረኣእያን ፖለቲካ ከምዝደሊ መርኣያ ምዃኑ ሓቢረን፡፡
ስምረት ነዞም ሓደሽቲ ድሌታት መልሲ ንምሃብ ምጥያሹ ብምሕባር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ፓርቲ ን7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንምምልማል ሕፁያት ሓዊሱ ቅድመ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ተዛሪበን፡፡
ህዝቢ ክልል ትግራይ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝብታት ውክልና ንክረክብ መረፃ ምክያድ ኣድላዩ ምዃኑ ብምሕባር፤ እቲ ህዝቢ ብመረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ኣለዎ ኢለን፡፡
ኣቦ ወንበር ፓርቲ ሹም ተምቤን ጎይቶም ወ/ማርያም ብወገኖም፤ ኣብቲ ክልል ኣሳታፊ መረፃ ብዘይምህላዉ ብዙሓት ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ክፍጠሩ ምፅንሖም ኣዘኻኺሮም።
ውድቦምኣብ ኩሎም ከባቢታት ትግራይ ብመረፃ ከምዝነሓናሕ ብምግላፅ፤ ነዙይ እውን ዘድሊ ናይ ምድላው ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።
እቶም ፓርቲታት ንዕውትነት እቲ መረፃ እጃሞም ከበርክቱ ድልዋት ምዃኖም ኣረጋጊፆም።
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!