Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ሮታሪ ኢንተርናሽናል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ሮታሪ ኢንተርናሽናል ፍራንስኮ ኣሪዞ ተዛቲዮም።

ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ኣባል ትካላት ሮታሪ ኢንተርናሽናል ንለውጢ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዝገብሩዎ ፃዕሪ ከዕብዩ ይግባእ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት እናገበሩ ዝርከቡ ፕሬዚዳንት ሮታሪ ኢንተርናሽናል ፍራንስኮ ኣሪዞ ዑደቶም ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ሮታሪ ኣብ ኢትዮጵያ ን70 ዓመታት ቀፃልነት ዘለዎም ተግባራት እናወገኑ ፀኒሖም ኢሎም።

እቲ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ 150 ሚሊየን ብር ፕሮጀክታት እናወገነ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም።

ሮታሪ ኢንተርናሸናል ኣብ ዓውዲ ጥዕና እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምሕባር፥ ብፍላይ ፖሊዮ ኣብ ምጥፋእ ወፍሪ ብምስታፍ እቲ ሕማም ካብ ዓለም ንኽጠፍእ ኣስተዋፅኦ ገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዑደቶም ዝተፈላለዩ ተግባራት ዓውዲ ጥዕና ከምዝተዓዘቡ ብምግላፅ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣጋጢሙ ዝነበረ ሕም ቫይረስ ማርበርግ ዝተቖፃፀረትሉ መገዲ ልዑል ዓወት ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ሮታሪ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 70 ዓመት ክብረ በዓሉ ዝርከብ እንትኸውን፤ ሮታሪ ኢንተርናሽናል ኣብ ዝሓለፉ 70 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ልምዓት ከምዝገበረ ተሓቢሩ።

ብሰለሞን በየነ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.