ቀይሕ ባሕሪን ኢትዮጵያን ተፈላሊዮም ክነብሩ ኣይኽእሉን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ቀይሕ ባሕሪን ኢትዮጵያን ተፈላሊዮም ክነብሩ ኣይኽእሉን ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ዝበሉ፤ ኣብ 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 10ይ ስሩዕ ኣኼባ ብምርካብ ንኣባላት እቲ ባይቶ መብርሂ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ኢዩ፡፡
መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ንምጥቃም ሰብ ንቕተል ኣይበሉን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ብልዝብን ብስምምዕነትን ከምኡ እውን ብሕጊ ዕዳጋ ብድርድር እቲ ጉዳይ ንፍታሓዮ እዮም ዝበሉ ኢሎም።
ንሕና እውን ክነካፍል ኣለና ንሳቶም እውን ክሕግዙ ኣለዎም፤ ንኢትዮጵያ ጎዲእኻ ኣትራፊ ምዃን ኣይከኣልን ክብሉ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ኣየድልያን ኢሉ ዝሓስብ ሰብ ሓደ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ዝሰሓተ ኢዩ፤ ቀይሕ ባሕሪን ኢትዮጵያን ንዘለኣለም ተደላሊዮም ክነብሩ ኣይኽእሉን ብምባል ኣፅንኦት ሂቦም።
ቀርኒ ኣፍሪካ ከምዘይቕደድ ተገይሩ ዝተሰፈየ ከይተኣሳሰር ተገይሩ ተሓለኸ ከባቢ ኢዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)÷ ብባክሊን ቋንቋን ዝተኣሳሰሩ ህዝቢታት ዘለዉሉ ይኹን እምበር ልዑል ንሕንሕን ኢድ ኣእታውነትን ዘለዎ ከባቢ ኢዩ ኢሎም።
ጉዳይ ክልቲኦም ማያት ነዓና እውን እናሓመሰ ኣብ ጉዳይና ዝኣትዉ ሓይሊታት እናስፈሐ ሓደ ነቲ ካሊእ ማእገር ክኸውን እናተገበኦ ፀገም ዘመሓላልፍ ኮይኑ ይርከብ ክብሉ ገሊፆም።
ብሶስና ኣለማየሁ