Fana: At a Speed of Life!

ተመራማሪ ስርዓት ገዳ ዝነበሩ ኣስመሮም ለገሰ (ፕ/ር) ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተመራማሪ ስርዓት ገዳ ዝነበሩ ኣስመሮም ለገሰ (ፕ/ር) ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም፡፡
ኣስመሮም (ፕ/ር) ስርዓ ገዳ ንኽሕሎ፣ ንኽኽበርን ብብርኪ ዓለም ኣፍልጦ ንኽረክብን ዝሰርሑ ብፍላይ መምርሒታት ዴሞክራሲያዊ ክብሪታትን ሓለዋ ህዝቢ ኦሮሞ ብፅሑፍ ተመዝጊቦም ናብ ትውልዲ ንኻሰጋገሩ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቶም።
ኣብ ዙሪያ ስርዓት ገዳ ብዙሓት መፃሕፃን ስራሕቲ ምርምርን ንንባብ ዘብቅዑ ኣስመሮም (ፕ/ር)÷ ዴሞክራሲያዊነት እቲ ስርዓት ብምጉላህ ሰብኣዊ መሰል ንኽኽበርን ንክብሪ ህዝቢታትን ብፅንዓት ዝተቓለሱ ሰብ እውን ኢዮም።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ብሕልፈት ኣስመሮም ለገሰ (ፕ/ር) ዝተሰመዖም ሓዘን ብምግላፅ÷ ንስድረኦምን ዘመድ ኣዝማድን ፅንዓት ተመንዮም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.