Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ኣፍሪካ ናብ ኣፍሪኤግዚም ተፀምቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ደቡብ ኣፍሪካ ናብ ባንኪ ኢምፖርት ኤክስፖርት ኣፍሪካ (ኣፍሪኤግዚም) ተፀምቢራ።

ፓርላማ እታ ሃገር ደቡብ ኣፍሪካ ኣባል ባንኪ ኣፍሪኤግዚም ንኽትከውን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2025 ብዘሕለፎ ውሳነ መሰረት ናብ ዝዓበየ ትካል ፋይናንስ ኣፍሪካ ከምዝተፀምበረት ኢዩ ተገሊፁ ዘሎ።

ነዚ ስዒቡ ባንኪ ኣፍሪኤግዚም ፕሮግራም ኢኮኖሚ እታ ሃገር ንምድጋፍ ዝውዕል 8 ቢሊየን ዶላር ስምምዕነት ልቓሕ ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቲ ስምምዕነት ደቡብ ኣፍሪካን እቲ ባንኪ ኣብ ዘፈር ንግዲ ብምትሕብባር ንኽሰርሑ መሰረት ካብ ምንባር ሓሊፉ ኣብ ዓለም ለኸ ምውዳድ ፋይናንስ ሓደሽቲ ኣማራፂታት ንግዲ ንምጥቃም ዕድል ዝኸፈተ ከምዝኸነ ተሓቢሩ፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.