Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ፍርያት መዓድን ሓለዋ ከባቢ ብዘኽብር ኣገባብ ክኻየድ ይስራሕ ኣሎ – ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከይዲ ፍርያት መዓድን ሓለዋ ከባቢን ተረባሕነት ነበርቲን ብዘኽብር ኣገባብ ክኻየድ ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር)፡፡
ካብ 12 ሃገራት ተወከልቲ ዓውዲ መዓድንን ተዋሳእቲ ዓውዲ መዓድን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተረኸብሉ ፈላማይ ዓለም ለኸ ጉባኤ ማኔጅመንት ሲያናይድ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ ጉባኤ መዓድን ወርቂ ሜድሮክ ሓ.ዝ.ው.ማ ኣብ ኣጠቓቅማ ሲያናይድ ብዓለም ለኸ ኣፍልጦ ምርካቡ ስዒቡ እዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሳልጥ ዘሎ፡፡
ሃብታሙ ተገኝ (ኢ/ር) ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ዓውዲ መዓድን ንሃገር ኩለ መዳያዊ ዕብየት ወሳኒ ግደ ዝፃወት ብምዃኑ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ዕቁር ዓቕሚ ብግቡእ ንምጥቃም ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ፡፡
ብተወሳኺ ፍርያት ወርቂ ንምዕባይ ዝተዋደደ ፃዕሪ ዘዕግብ ውፅኢት ከምዘምፅአ ገሊፆም።
ዕብየት እቲ ዓውዲ ሓለዋ ከባቢ ብዘኽብርን ተረባሕነት ነበርቲ ብዘረጋግፅን መንገዲ ክካየድ ከምዘለዎ እውን ኣገንዚቦም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.