Fana: At a Speed of Life!

ህንፀት መዕርፎ ነፈርቲ ሻኪሶ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ጉጂ ዘሎ ህንፀት መዕርፎ ነፈርቲ ሻኪሶ ብዕሊ ሎሚ ተጀሚሩ።

ነቲ ህንፀት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሞያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ምጅማሮም ኣብ ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መስፍን ጣሰው፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን፣ ኣባላት ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ፣ ኣባ ገዳታት፣ ሃደ ሲንቄታትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ መንግስቲ ተረባሕነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ሰፊሕ ስራሕ ይሰርሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ሕቶ ልምዓት ማሕበረሰብ ምላሽ ንምሃብ ጠመተ ብምሃብ ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እውን ኣረጋጊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.