ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኮትዲቯር ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ዓለም ለኸ ምትሕብባርን ኮትዲቯር ካባ ኒያሌ ተዛቲዮም፡፡
እቶም ሚኒስትራት ኣብ ዘተኦም ኣብ ኢትዮጵያን ኮትዲቯርን ክልተኣዊ ከምኡ እውን ናይ ሓባር ኣህጉራዊ ጉዳያት ጠሚቶም ተመያይጦም፡፡
ካባ ኒያሌ ኣብ መበል 48 ስሩዕ ኣኼባ ፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይዝከር፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!