ሓድነት ንሓበራዊ ድሕንነት፣ ናጥነትን ምዕባለን ኣፍሪካ ወሳኒ ኢዩ – ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓድነት ንሓበራዊ ድሕንነት፣ ናጥነትን ምዕባለን ኣፍሪካ ወሳኒ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፡፡
መበል 48 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ “ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ሓለዋ ንፅህናን ምርግጋፅ፤ ንዕዉትነት ሸቶታት ኣጀንዳ 2063” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ።
ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅኡ ኣጋይሽ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም ኢሎም።
ኣፍሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕቤታትን ማሕለኻታትን ከምዘጋጠሙዋ ብምዝኽኻር፤ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ቁልፊ ዓለም ለኸ ጉዳያት ሓበራዊ ቅዋም ክሕዛ ከምዝኸኣላ ኣልዒሎም።
ንኣብነት እውን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ቅዋም ሓድነት ኣፍሪካ ኣጉሊሁ ምርኣይ ከምዝተኽኣለ ኣዘኻኺሮም።
ስግኣት ጂኦፖለቲካዊ ወጥሪ ዓለም እናወሰኸ ምምፅኡ ብምሕባር ብፍላይ ኣፍሪካ ብቴክኖሎጂ፣ ብመዓድናትን መስመራት ንግዲን ናይ ንሕንሕ ባይታ እናኾነት ከምትርከብ ተዛሪቦም።
ብቴክኖሎጂ፣ ኣብ ወሳኒ መዓድናትን ንግዲን መስመራት እናዓበየ ዝመፅአ ዓለም ለኸ ጂኦፖሊቲካዊ ወጥሪ ኣብ ኣፍሪካ ሰላምን ድሕንነትን ፅዕንቶ እናሕደረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ሓደ ሃደ ዓለም ለኸ ሓያላት ሕዚ እውን ኣፍሪካ ናይ ንሕንሕ ባይታ ብምግባር እናተመልከታ ከምዝኾና ገሊፆም።
ረብሓ እታ ኣህጉር ንምሕላው ሓድነት ኣፍሪካ ሓቀኛን ጥንኩርን ክኸውን ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኣፍሪካ ኣብ ምግበራ ሰናይ ዘይኮነስ ብማዕረን ኣብ ምክብባር ዝተመስረተን ሓቀኛ ምሕዝነት የድልያ ኢሎም።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!