ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሌሶቶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣትየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሌሶቶ ንቶሜንግ ማጃራ መበል 39 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትየን።
እተን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዓለም ለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ምስበፅሓ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣቀባብላ ገይረናለን።
መበል 39 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ “ስርዓት ኣተሓላልዋ ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብ ማይን ፅሬትን፤ምዕዋት ሸቶታት ኣጀንዳ 2063” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ 7ን 8ን ለካቲት ክካየድ እዩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!