ኣፍሪካ ኣህጉራዊ ዞባ ናፃ ንግዲ ንኢንዱስትሪ ምስግጋር…
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኣፍሪካ ስግግር ኢንዱስትሪ ንምርግጋፅ፣ ማዕቀፍ ፖሊሲ ዞባ ናፃ ንግዲ ኣህጉር ክቀላጠፍ ከምዘለዎ ሕብረት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።
ኣህጉር ኣፍሪካ ዞባ ናፃ ንግዲ ተግባራዊ ብዝተገበረ ሓሙሽተ ሃገራት ዝተረኽበ ውፅኢት ብምግምጋም ናብ ካልኦት ሃገራት ንምስፋሕ ዝዓለመ መድረኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።
ኮሚሽነር ኢኮኖሚ ልምዓት፣ ንግድን ኢንዳስትሪን እቲ ሕብረት ፍራንቺስካ ቤሎቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ኣፍሪካ ንግድን ኢንዱስትሪን ንምድንፋዕ ሓደሽቲ መርሃ ግብሪታት ኣብ ምፍላጥ ትኹረት ተዋሂቡ ክስራሕ ይግባእ፡፡
ዕላማታት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት ብፍላይ ድማ ኢንዱስትሪ ስግግር ንምርግጋፅ ኣህጉራዊ ዞባ ናፃ ንግዲ ተግባራዊ ኣብ ዝተገበረ ሃገራት ዝተረኸበ ውፅኢት ኣብ መላእ ኣህጉር ክሰፍሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ኣምባሳደር ጃፓን ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኔቦሩ ሴክጉቺ ብወገኖም፤ ሃገሮም ኣብ ትካል ዓለም ለኸ ምትሕብባር ጃፓን (ጃይካ) ብምትሕብባር ዞባ ናፃ ንግዲ ብኣድማዒ መገዲ ኣብ ምትግባር ከምዝፀንሐት ኣረዲኦም፡፡
ብኃይለማሪያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!