ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድ ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ጉባኤ ኣፍሪካ-ጣሊያን ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ኣቀባብላ ገይረናሎም።
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረት “ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓታት ሓለዋ ንፅህናን ምርግጋፅ÷ ሸቶታት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ክካየድ ኢዩ።
ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ጉባኤ ጣሊያን ኣፍሪካ ንምስታፍ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ሓዊሱ ሓለፍቲ ትከላት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይፍለጥ።
ብመራኦል ከድር
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!