ስርዓት ማዕረ ግምገማ ኣፍሪካ ካብ ማንም እዋን ብዝበበለፀ ኣድላዪ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መድረኽ ስርዓት ማዕረ ግምገማ ኣፍሪካ ካብ ማንም እዋን ብዝበበለፀ ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ።
መድረኽ ስርዓት ማዕረ ግምገማ ኣፍሪካ (APRM) መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕን ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።
ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኣፍሪካ ቅድሚ ሕዚ ብዙሓት ፈተናታት ከምዝሓለፈት ኣዘኻኺሮም።
ቀፃሊ ካብ ፈተና ናፃ ክትከውን ከምዘይትኽእል ብምሕባር ብትግሃት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም።
ብቕልጡፍ እናተለዋወጠ ኣብ ዝከብ ስርዐታ ዓለም ስትራቴጂካዊ ውድድር ትርጉም ዘለዎ ምትሕብባር ከምዘምፅእ ፀሪሖም።
ኣብዚ መዳይ ስርዓት ማዕረ ግምገማ ኣፍሪካ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!