ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቡሩንዲ ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ሓዱሽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ፕሬዚዳንት ቡሩንዲ ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ተዛቲዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ “ንሓዱሽ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ፤ ፕሬዚዳንት ቡሩንዲ ኢቫሪስቴ ንዳይሺሚዬ ረኺበ ብዝተረከቡዎ ሓላፍነት ሓጎሰይ ገሊፀ” ኢሎም፡፡
ጥንኩር ምትሕብባርን ዞባዊ ርክባትን ኣፍሪካውያን ንምድንፋዕ ኣብ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ልዝብ ከምዝገበሩ እውን ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!