ኢትዮጵያ ዓውዲ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እተሃንፅን ትመርሕን ክትከውን ንምግባር ይስራሕ ኣሎ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዘበን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ተመልካቲት ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዓውዲ እተሃንፅን ትመርሕን ክትከውን ንምግባር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ማእኸል ፈጠራ ዩኒቨርሲቲ ፖድ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (Al UniPod) ስራሕ ኣጀሚሮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዘበን ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ተመልካቲት ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዓውዲ እተሃንፅን፣ ኣስተዋፅኦ ተበርክትን ትመርሕን ከምኡ እውን ንቕድሚት ንምስጓም ሓዱሽ ምዕራ ትኸፍተሉ ከምዝኾነ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ገሊፆም።
እቲ ማእኸል ብኣፍሪካውያን ንኣፍሪካ ዝኾኑ ቴክኖሎጂታት ብምህናፅ ንዓለም ምክፋል ከምዘኽእል ብምግላፅ÷ እዚ ድማ ብሄራዊ መሰረት ዝንበረሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ነታ ኣህጉር ዘለና ድሌትን ሕልሚን እንገልፀሉ ኢዩ ኢሎም።
ዩኒፖድ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንምልክት ጥራሕ ዘይኮነ ኣካል ዝተዋደደ ትልምና ኢዩ ብምባል÷ ኣብ ዘበኑን ኢንዱስትሪን ደረጃ ዘለዉ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ መሳርሒታትን ውዳበን ናይ ምስግጋር ዓቕሚ ብዘለዎም ዝተወደበ ማእኸል ፈጠራ ስራሕ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ሉኣላዊነት ተለዋዋጢ መልክዕ ዘለዎን ብዶብ ዘይውሰን ኢዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ሉኣላዊነት መን ሓበሬታ ኣለዎን ኣልጎሪዝም እናመርሐ ዝርከብ መን ኢዩን ካብ ዝብልን ሓበሬታ ናይ ምልዋጥ ዓቕሚ ዘለዎ መን ኢዩ ምስ ዝብል ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ሓሮም።
ዩኒፖድ ንኢትዮጵያ ካብ ተረባሕን ቴክኖሎጂ ናብ ፈጣራይነት፣ ዓለም ለኸ ናውቲ እቲ ዓውዲ ካብ ምልማድ ናይ ባዕልና ዲዛይን ናብ ምግባር፣ ኣብ ዲጂታል ኢኮኖሚ ተኻልቲ ጥራሕ ካብ ምዃን ኣንፈቱ ናብ መውሳን ዘሰጋግራ ኢዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!