ካብ ዓለም ለኸ መስሕባት ቱሪዝም ሓንቲ ዝኾነት ኢትዮጵያ…
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ብዝሰርሐቶም ስራሕቲ ካብ ዓለም ዝማዕበላ መስሕባት ሓንቲ ክትከውን ክኢላ፡፡
እናዓበዩ ብዝመፅኡ ዓለም ለኸ ጉዕዞታት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2025 ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን ቱሪስታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ተጓዒዞም፡፡
ኣውሮፓ ብብርኪ ዓለም ቱሪስታት ብበዝሒ ዝብፃሕ ይኹን እምነር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ቅልጡፍ ዕቤት ዘመዘገቡ መስሕባር ዝተለመዳ ሃገራት ኣይኮናን፡፡
በዚ ድማ ብራዚል 37 ሚኢታዊ፣ ግብፂ 20 ሚኢታዊ፣ ኢትዮጵያ 15 ሚኢታዊ፣ ቡታን 30 ሚኢታዊ፣ ሲሸልስ 13 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዘመዝገባ ሓበሬታ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ተጓዓዝቲ ፍሉይ ባህሊ፣ መልክዓ ምድሪታትን ጥንኩር መንነትን ናብ ዘለወን ሃገራት ክኸዱ ከምዝደልዩ ተገሊፁ፡፡
ኣብቲ ዓውዲ ብቕልጡፍ ኣብ ምዕባይ ካብ ዝርከባ ብዙሓት ሃገራት ኢትዮጵያ ሓንቲ ኮይና፡፡
ኢትዮጵያ መብፅሒታት ቱሪዝም ትኹረት ሂባ ብምስራሕ ርኡይ ለውጢ ብምምፃእ ፍሰት ቱሪስት ክትውስኽ ክኢላ፡፡
ኢትዮጵያ ብተበፃሕነትን እምነት ተጓዓዝቲን ልዑል መዋእለ ንዋይ ብምፍሳስ መብፅሒታት ቱሪዝም ብስፍሓት ሰሪሓ ኢያ፡፡
ኣብ 2025 ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ይግበሩ ዝብል ጎስጓስ ምጅማር ሓዊሱ ሓደሽቲ ሆቴላትን ዝተመሓየሹ ኣገልግሎታትን ምስፍሕፈሖም ተመራፂት መስሕብ ቱሪዝም ገይሩዋ፡፡
በዚ ምኽንያት ንብዙሕ ዓመታት ትልሞም ዘናውሑ በፃሕቲ በቢእዋኑ ምምልላሶም ሓዊሱ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ፃንሒት እዋኖም እናናውሑ ይርከቡ፡፡
ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 20 ናይ ወፃኢ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ንምግባር ምድላው እናገበሩ እንትኾኑ÷ እዚ ድማ ሓደሽቲ ናይ ጉዕዞ ጠለባት ከምዘለዉ ዘርኢ ኢዩ፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ