ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርክዬ ረጀብ ጠይፕ ኤርዶዋን ተዛትዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርክዬ ረጀብ ጠይፕ ኤርዶዋን ተዛትዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዘተና ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቱርክዬን ዘሎ ዘላቒ ምሕዝነትን ድልዱል ምትሕብባርን ብዝበለፀ ዘጠናኸረ እዩ ኢሎም፡፡
ኣብ ስትራተጂካዊ መዳያት ምትሕብባር ሓሳብ ከምዝተለዋወጡ ብምሕባር፤ንረብሓ ክልቲአን ሃገራት ዘገልግል ምሕዝነት ንምዕባይ ናይ ሓባር ቆራፅነት ደጊምና ኣረጋጊፅና ኢሎም፡፡
ዘላቒ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዘተሓባብር ምሕዝነት ብዝበለፀ ከምዘጠናኽሩ ሙሉእ እምነት ኣለኒ ክብሉ ገሊፆም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!