ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መበል 130 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘመሓላለፉዎ ሙሉእ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-
እንኳዕ ንመበል 130 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብፀሐኩም።
ዓወት ዓድዋ ዘይልወጥ ቅዋምን ዓቕሚን ኢትዮጵያውያን ዘርአየ ዓወት ኢዩ። ኢትዮጵያውያን ኣብ ብሄራዊ ረብሓ፣ ናፅነትን ሉኣላዊነትን ሃገሮም ዘይልወጥ ቅዋም ኣለዎም።
እዚ ቅዋሞም ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንምንባር ድማ ሙሉእ ዓቕሞም ይጥቀሙ።
ስርዓታትን መራሕቲን ክልወጡ ይኽእሉ ኢዮም፤ ኣብ ሓደ ሓደ ጉዳያት ኣፋላላያት ክህልዎም ይኽእል ይኸውን፤ ብዛዕባ ሃገሮም ዘለዎም ቅዋምን ንሃሮም ዘለዎም ቅዋም ግን ኣይልወጥን።
ናብ ዓድዋ ዝዘመቱ ጀጋኑ ኩሎም ብኹሉ ነገር ዝተስማዕምዑ ኣይኮኑን። ሓደ ዕላማ ነይሩዎም እምበር ሓደ ዓይነት ኣይነበሩን። ሓንቲ ሃገር ነይራቶም እምበር ሓደ ባህሊን እምነትን ኣይነበሮምን።
ኣብቲ እዋን ሃገሮም ክሒዶም መስ ፀላኢ ዝሓበሩ ባንዳታት ነይሮም። ንግዚያዊ ረብሓ ክብሉ ዘላቒ ረብሓ ሃገሮም ዝሸጡ ድኻት ነይሮም። ምስ ባዕዲ ወጊኖም ወገኖም ዘስማዕምዑ ደለልቲ እውን ነይሮም።
ጀጋኑ ኣዴታትናን ኣቦታትናን ዝተዋግኡ ምስ ወራሪ ጦር ጣሊያን ጥራሕ ኣይነበረን።
ምስ ምንዱባን፣ ባንዳታትን ምስ ደለልቲ ሃገርን እውን እምበር። ሓርበኝነት ማለት ባዕዲን ባንዳን ምስዓር ማለት ኢዩ። ሓርበኝነት ማለት ንረብሓ ሃገር እንትበሃል ውልቃዊ ረብሓ ምስዓር ማለት ኢዩ። ሓርበኝነት ማለት ንኽበሪ ሃገር እንትበሃል ግላዊ ክብሪ ምስዋእ ማለት ኢዩ።
በዓል ዓወት ዓድዋ እዞም ኩሎም እንዝክረሉ ኢዩ። በዓል ዓወት ዓድዋ ዓቕሚን ቅዋምን ኢትዮጵያውያን ከምዝቀልዐ ማዕረ ሎሚ እውን ብፅኑቕ ቃዋም፣ ኩለመዳይ ዓቕሚ ኢትዮጵያን እንቐልዐሉ እዋን ኢዩ።
ኣብ ዓውዲ ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪ፣ ቱሪዝም፣ መዓድንን ዲጂታልን ሃገርና ዘለዋ ዓቕሚ ክነርኢ ኣለና። ዓወት ዓድዋ ብኩሉ መዳይ ንምድጋም፣ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ጥኑዕ መሰረት ክህልዎ ይግባእ።
ንሃገር ዓቕሚ የዕብያ፤ ዓቕሚ ይሃንፃ። ንሃገር ዓቕሚ ይሰርሓ። ቅዋም የፅንዓ። ንሃገር ዓቕሚ የሰጉማ፤ ቅዋም የሳግራ።
በዓል ዓወት ዓድዋ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ እንሃንፀሉን ቅዋም ኢትዮጵያውያን ብዝበለፀ እነፅነዐሉን ከምዝኸውን ተስፋ ይገብር።
ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘላለም ትንበር!!
ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!
22 ለካቲት 2018 ዓ.ም