ካብ ጎቦታት ዓድዋ ክሳብ ጉባ፤ ዓድዋ ብልክዑ እንትዝከር!
ካብ ጎቦታት ዓድዋ ክሳብ ጉባ፤ ዓድዋ ብልክዑ እንትዝከር!
ዓወት ዓድዋ ናይ ጦር ሜዳ ዓወት ጥራሕ ዘይኮነ፤ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ዕድል ባዕላ ከምትውስን ንዓለም ዝኣወጀበትሉ ኣዋጅ ነይሩ። መስዋእትነቶም እንዝክሮ ብናይ ትማሊ ግርማ ብምንባር ጥራሕ ዘይኮነ፣ ናይ ሎሚ ኣሰርና ብምንባር ኢዩ። ብመንፈስ ዓድዋ እናተመራሕና ቀፃሊ ዕጫ ሃገርና ምሕንፃፅ ክንቅፅል ኢና።
ካብ ሩባ ኣባይ ዝተበገሰ ‘ካልኣይ ዓድዋና’ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፣ ዝሓለፈ ዘበን እንዝክሮ ናይዚ እዋን ሰዓራይነት ብምምራሕ ምዃኑ ህያው ምስክር ኢዩ።
መድማር ብዝሃነፀ መንፈስ ዓድዋ እንትንምራሕ ሃገርና ዘይተዕውቶ ዋላ ሓደ ነገር ኣይህሉን። ብሓደ ዕላማ ብምስላፍ ብምድማር እንትንጓዓዝ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ክዕገት ኣይኽእልን።
ዓበይቲ ነይርና፤ ብዝበለፀ ድማ ዓበይቲ ክንከውን ኢና!