ዓድዋ ብጅግንነትን ኣይብዳህን ምባሉን ህያው ኮይኑ ዝነብር ስንቂ ዓወት ኢዩ – ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓድዋ ብጅግንነትን ኣይብዳህን ምባሉን ህያው ኮይኑ ዝነብር ስንቂ ዓወት ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፡፡
መበል 130 በዓል ዓወት ዓድዋ “ካብ ዘኹርዕ ታሪኽ ናብ ብሩህ ኣድማስ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ይሕበር ኣሎ።
እተን ሚኒስትር ኣብ ምኽባር እቲ በዓል ብምርካብ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ÷ ሰራዊት ምክልኻ ሉኣላዊነት ሃገርናን ሰላም ህዝቢናን ኣብ ፅኑዕ መሰረት ካብ ምንባር ሓሊፉ ዘብዒ ናፅነት ብምዃን ዘይትካእ መስዋእትነት እናኸፈለ ይርከብ ኢለን።
ዓድዋ ብጀግንነት፣ ብወነ፣ ብዲሲፕሊንን ኣይብዳህን ብምባል ህያው ኮይኑ ዝነብር ስንቂ ዓወት ከምዝኾነ ተዛሪበን።
እቲ በዓል እንትነኽብር ኣብ ገድሊ ናፅነት ኣቦታትና ጠጠው ብምባል ናብ ዝለዓለ ኩለመዳይ ሉኣላዊነትን ብሩህ ሃገራዊ ብራኸን እነሰጋግረሉ ናይ ታሪኽ ሓደራና ብስራሕን ብትግሃትን እንዋፀአሉ ሓዱሽ ምዕራፍ ዓወት ከምዝኾነ ብምርግጋፅ ክኸውን ይግባእ እውን ኢለን።
ዓወት ዓድዋ ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ መላእ ደቂ ሰባት ንኽብሮምን ናፅነቶምን ዝገበሩዎ ተጋድሎ ብዓወት ዝተመስከረሉ፣ ብስራት ትንሳኤ ፀለምቲ ህዝቢታትን ወዲ ሰብ ንመንነቱን ሉኣላዊነቱን ዝኸፈሎ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ኣኽሊል ዓወት መስዋእትነት ዝተደፍአሉ ጫፍ ታሪኽ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!