Fana: At a Speed of Life!

4ይ ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ 17ን 18ን መጋቢት 2018 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)4ይ ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ቀፃሊ 17ን 18ን መጋቢት 2018 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ፡፡

ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር) ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቲ ፎረም ኢትዮጵያ ዘለዋ ምቹው ምህዳር ኢንቨስትመንት ብስፍሓት ዘርኢን መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝፈጠሮ ምቹው ዕድል ኢንቨስትመንት ንምፍላጥን ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም፡፡

“ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት ድልውቲ ኢያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ፎረም፤ ልዕሊ 800 ዓለም ለኸ ሰብ ሃፍቲ፣ መራሕቲ ንግዲ፣ ፖሊሲ መውፃእቲ ከምኡ እውን መሓዙት ልምዓት ከምዝሳተፉ ሓቢሮም፡፡

ኣብ 3ይ ፎረም ኢንቨስትመንት ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ዶላር ስምምዓት ከምዝተገበሩ ብምዝኽኻር፥ ኣብዚ ዓመት ምስ ዓበይቲ ትካላት ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ስምምዕነታት ንምግባር ተሓሲቡ ኢሎም፡፡

እቲ ፎረም ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስቴር ገንዘብን መሓዙት ትካላት ልምዓትን ብምትሕብባር ከምዘሰናድኦ ተገሊፁ።

ብቅድስት ብርሃኑ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.