Fana: At a Speed of Life!

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ብብዙሕ ዓውድታት ልምዓት ኢኮኖሚ እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዝጭበጥ ውፅኢት ይህብ ኣሎ ኢሎም ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)፡፡
ንግዲ ምብራቕ ኣፍሪካን ንግድን ኢንቨስትመንትን ናብ ተረባሕነት ንምስግጋር ዘኽእል ዕድላት ጠመተ ዝገበረ ኢሊቬት ኣፍሪካ 2026 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን፤ ኢትዮጵያ ኣብ ኣተገባብራ ሃገር ለኸ ትግበራ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ እናሰርሐት ትርከብ፡፡
ኣብ ከይዲ ምምሕያሽ ልምዲ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝተመሃረት ብምግላፅፅ፣ ብብዙሕ ዓውድታት ዝካየድ ዘሎ ፃዕሪ ኢኮኖሚ ልምዓት ዝጭበጥ ውፅኢት ይህብ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።
ጉባኤ ኢቪቤት ኣፍሪካ ማእኸል ዕዳጋ ምዃኑ ብምርዳእ ኢትዮጵያ ዕድሉ ንምጥቃም ድልውቲ ምኳና ኣረዲኦም፡፡
ብኣሸናፊ ሽብሩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.