Fana: At a Speed of Life!

“ህወሓት ናብ መሬት ክወርድ ዘይክእል ብብሉይ ክልስ ሓሳብ ዝተኣሰረ ውድብ እዩ” -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ግዜኢ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ህወሓት ናብ መሬት ክወርድ ዘይክእል ብብሉይ ክልስ ሓሳብ ዝተኣሰረ ውድብ እዩ ኢሎም፡፡
እዙይ ድማ ጥዕና ዘለዎ ፓለቲካዊ ውድብ ባህርያት ኣይኮነን ፤ሓዱሽ ነገር ዝሰምዕ እዝኒ የብሉን፤ ዝርእይ ዓይኒ እውን የብሉን ንክርኢ እውን ድልው ኣይኮነን ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ሓዱሽ ነገር ንምስማዕ ዘይተዳለወ ውድብ ንህዝቡ ፅቡቕ ነገር ይሰርሕ እዩ ተባሂሉ ምሕሳብ ኣፀጋሚ እዩ ኢሎም፡፡
ዘለናዮ ዘመን ናይ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀስን ሮቦቲክስን ዘመን እዩ ብዙሓት ነገራት ተቀይሮም እዮም ብምባል ብፋላይ ብብርኪ ፍልስፍና እውን ተኾነ እዋኑ ዝጠልቦ ቀዳሚ ረብሓ እንበር ቀዳሚ ክልስ ሓሳብ ኣይኮነን ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ሓሳብ ብረብሕኡ እንበር ብሓሳብነቱ ኣይኮነን ክምዘን ዘለዎ ብምባል ውድብ ህወሓት ምስ ዝሞተ ሓሳብን ንህዝቢ ዘይረብሕ ሓሳብን ከም ቁርዲድ ተጣቢቂዎ ተሪፉ ኢሎም፡፡
ኣብ ዝሓለፊ ዓመታት ብሰንኪ ህወሓትናብ ዘይተደለየ ኩናት ኣቲና ብዙሕ ዘይድለ ዋጋ ከፊልና ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘይውዓሎ ከቢድ ዋጋ ክክከፍል ኣኽኢልዎ ኢሎም፡፡
ነቲ እዋን ንምሰል ዝበለ ከም ቀንዲ ፀላኢ ገይሩ ከጥፍኦ ሃቂኒ ተላዒሉ ነይሩ፤ ግን ከምዘይዋፅኦን ምስ ፈለጠ ድማ ኩናትን ጥፍኣት መሪፆም ናብ ዘይደለናዮ ኩናት ገይሩ ዋጋ ኣኽፊሉና ኢሎም፡፡
ኣፈላላያ ተፈጥራዊ እዩ ክህልው ይክአል እዩ ግን ድማ ኣፈላላት ብጎንፂን ኩናትን ንምፍታሕ ኣየዋፅእን ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ኢትዮጱያ ውግእ ዝብሃል ነገር ዘዋፅእ ኣይኮን ንሃገርና ናብ ዕንክሊል ንክትኣትው ዝገበረ ብምዃኑ እዙይ ንምስባር ሓላፍነት ክንወስድ ኣለና ኢሎም፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.