ቅነ መሰረተ ልምዓትን ኮንስትራክሽንን ቀፃሊ 9 ሚያዚያ ክጅመር ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቅነ መሰረተ ልምዓትን ኮንስትራክሽንን ኢትዮጵያ ካብ 9 ክሳብ 12 ሚያዚያ 2018 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ።
እቲ መርሃ ግብሪ “ኢትዮጵያ ካትሃንፅ ኢያ! ፈጠራ፣ ቅልጣፈን ፅሬትን ንብራኸ መሰረተ ልምዓት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ክካየድ።
ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ እቲ ቅነ ኣብቲ ዓውዲ ዝተመዝገቡ ዓወታት ንህዝቢን መዳርግቲ ኣካላትን ብምቕራብ ዝተረኸቡ ተሞክሮታት ንምትንታንን ቀፀልቲ ኣንፈታትን ንምእንፋት ዝዓለመ ኢዩ ኢለን።
እቲ ኢንዱስትሪ ዓቕሚ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ንምዕባይ፣ ትካላት ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ንምቅልጣፍን ሓደሽቲ ሜላታት ንምፍላጥ ልዑል ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ኢለን።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብቲ ዓውዲ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ዘመዝገቡ ተቛረፅቲ፣ ኣማኸርቲን ኣፈፀምቲን ትካላት ኣፍልጦ ዝረኽቡ እንትኾኑ÷ እቲ መድረኽ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ብምንቕቓሕ ቁልፊ ግደ ከምዝህልዎ እውን ኣመልኪተን።
ብምንተስኖት ሙሉጌታ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!