Fana: At a Speed of Life!

ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ከይተገዝአ እቲ ክልል ካብ ዝኣተዎ ፀገም ከድሕን ኣለዎ- ውድባት ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ህዝቢ ትግራይ ንዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣይግዛእን ብምባል እቲ ክልል ካብ ዝኣተዎ ፀገም ከድሕን ኣለዎ ኢሎም ውድባት ፖለቲካ፡፡
ዋና ፀሓፊ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይ ( ትዴፓ) ሙሉብረሃን ሃይለ ከምዝበልዎ፤ ኣብቲ ክልል ዘሎ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህዝቢ ካብ ልምዓት ተጠቃሚ ከይከውን ዝኽልክልን ሓፈሻዊ መረፃ ኣብቲ ክልል ከይካየድ ፀገማት ይፈጥር ኣሎ።
ሕገ መንግስታዊ ስርዓት እታ ሃገር ንዘየኽብር ጉጅለ ከምዚ ዓይነት ዕድል ምሃብ ግቡእ ከምዘይኮነ ብምግላፅ ፤ እቲ ጉጅለ ነቲ ክልል ጥራሕ ዘይኮነስ ንልኡላውነት ሃገር እውን ስግኣት ይፈጥር ከምዘሎ ገሊፆም።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ውድብ ስምረት ሓለፎም ነርዐ ብወገኖም ፤ ህወሓት ህዝቢ ትግራይን እቲ ክልልን ተረባሕቲ ልምዓት ንኸይኾኑ ካብ ምግባር ብዝሓለፈ ዘላቒ ሰላም ከይህልው ዕንቅፋታት ይፈጥር ምህላዉ ሓቢሮም።
ኣብ ክልልና ዝተፈጠሩ ፀገማት ንምፍታሕ ዝምልከቶም ኣካላት ብትግሃት ክሰርሑ፣ ሕጊ ክኽበር፣ ኣብቲ ክልል ዝነብሩ ዜጋታት ወከልቶም ክመርፁ ክፈቕዱ ከምዘለዎም ኣስሚሮምሉ።
ኣቦ መንበር ሰልፊ ሰብዓ እንደርታ ከበደ ኣሰፋ፤ ህዝቢ ትግራይ ምስ መንግስቲ ደው ክብል ከም ዘለዎ ግንዛበ ንፈጥር ኣለና ኢሎም።
ህዝቢ ትግራይ ንዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣይግዛእን ብምባል እቲ ክልል ካብ ዝኣተዎ ፀገም ከድሕን ከም ኩሉ እዋን ሉኣላውነት ሃገር ብምኽባር እጃሙ ክዋፃእ ከምዘለዎ እቶም ኣመራርሓ ውድባት ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
ብተካልኝ ሃይሉ
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.