Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ብፈተናታት ፀኒዓ ጠጠው ክትብል ዝኸኣለት ብሰራዊትና ተጋድሎ ኢዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ብፈተናታት ፀኒዓ ጠጠው ክትብል ዝኸኣለት ብሰራዊትና ተጋድሎ ኢዩ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ከባቢ ጃንሜዳ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተመረቐ ሙዚየም ሰራዊት ምክልኻ ምስ ጎብነዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ሙዚየም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ማህደር ጅግንነትና፣ ምስክር ልዕልናና ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ብፈተናታት ፀኒዓ ጠጠው ክትብል ዝኸኣለት ብዘይብዳህ ሰራዊትና ተጋድሎ ኢዩ ብምባል÷ እቲ ሙዚየም እዚ ናይ ዘበናት ጉዕዞ ጅግንነት ዝምክሩ ህያው ኣሰራት ዝሓዘ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ካብ 1950ታት ጀሚሩ ንኽጣየሽ እናተሓሰበ ዝፀንሐ እቲ ሙዚየም ብፖለቲካዊ ውሳነታት ምኽንያት እናተጓተተ ከምዝፀንሐን ብናይ ለውጢ መንግስቲ ቆራፅነት ትካላዊ ቁመና ተላቢሱ ጋህዲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እዚ ዓወት ንዝህነፅ ዓብዪ ብሄራዊ ናይ ሰራዊት ሙዚየም ከም እምነ ኹርናዕ ዝውሰድ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ኣብቲ ሙዚየም ዝርከቡ ቅድሚ ዘበነ ዓድዋ ዝነበሩ ብርቂ መሳርሒታት፣ ዕጥቂታት ነገስታትን ናይ ቀደም ጀጋኑ ዝዝክሩ ታሪኻትን ከምዘስታውሱ ገሊፆም፡፡

@Addisinsider_ETH
@Addisinsider_ETH

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.